ከመይ ጌርካ ዎርድፕረስ ተጠቒምካ ፕሮፈሽናል ዝኾነ ዌብሳይት ብምስራሕ ትካልካ ተዕብን፣ ወይ ድማ ኣብ ትርፊ ግዜኻ ብኣድማዒ መንገዲ ብኦንላይን ገንዘብ ከም እትረክብን ተማሃር።
ዌብ ዲዛይን
ጎግል ኣድሰንስ
ዩቲብ (SEO)
ዌብ ሆስቲንግ
ናይ ባዕልኻ ዌብሳይት ምህናጽ ካብቲ እትሓስቦ ንላዕሊ ዝቐለለ እዩ። ምስ ናይ ሎሚ መሳርሒታት፣ ናይ ዝተፈላለየ ዲግሪ ወይ ኮዲንግ ክእለት ኣየድልየካን’ዩ ክትሰርሖ ሓሲብካ ዘለኻን ንእሽተይ ፈጠራን ጥራይ’ዩ ዘድልየካ። ከም ዎርድፕረስ፣ ዊክስን ሾፒፋይ ዝኣመሰሉ ሶፍትዌር ተጠቒምካ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ጥራይ ፕሮፈሽናል ዝኾኑ ዌብሳይታት ንምምሃዝ ቀሊል ይገብሮ። ዌብሳይት ንግድኻ ንምዕባይ ስራሕካ ምስ ዓለም ንምልላይ ይሕግዘካ። እቲ ዝበለጸ ኽፋል ዌብሳይት ምውናንካ? ስራሕካ ምስ ዓለም ብዥቐልጠፈ ተፋልጥ! ብዝቐለለ ኣታዊ ክትገብር፡ውን ትኽእል። ሎሚ ቀዳመይ ስጉምቲ ውሰድ!
ምምራጽ ዌብ ሆስቲንግ ኣብ ኣቀራርባን ኣተኣናግዳን ከሙኡ ውን ድሕነት ናይ ዌብሳይትካ ዝውስን’ዩ። ከምኡ ውን ብዘይገለ ጸገም ከም ዝጽዕን፣ ከምኡ ውን ንበጻሕቲ ኩሉ ግዜ ተበጻሒ ኮይኑ ከም ዝቕጽል የረጋግጽ። ይኹን እምበር ቅኑዕ ዊብ ሆስቲንግ ምምራጽ ኣብ ድሌትካን ባጀትካን ከምኡ ውን ዓይነት ዌብሳይትካ ይሙርኮስ።
ጽቡቕ ናይ ዶመይን ስም ሓጺርን ቀሊልን ንኽትዝክሮ ቀሊልን ከኸውን ኣለዎ። እንተተኻኢሉ ኣገደሲ መፍትሒ ዝኾኑ ቃላት ተጠቐም። ነቲ ደሊኻዮ ዘለኻ ብራንድ ቀዳምነት ሃብ። ንኣብነት (.com .net .org) ዝብል መቀጸልታ ምረጽ እቲ እትመርጾ ስም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝኽዕነ ማሕበርዊ መራኸቢታት ፍሉይን ቅኑዕን ሙኻኑ ኣረጋግጽ።
ዌብሳይት ንምህናጽ እዞም ዝዕቡ የድልዩኻ፣ 1,Domain Name- ፍሉይ ናይ መርበብ ሓበሬታ ኣድርሻ (ንኣብነት filmonpro.com) 2, Web Hosting- ከም Bluehosting, ወይ Hostinger ዝኣመሰለ ናይ ህስቲንግ ዘቕርቡልካ ምረጽ። 3,Website Builder- ወይ CMS- ዎኦርድፕረስ፣ ዊክስ፣ ሾፒፋይ ዝኣመሰሉ ተጠቐም።
መርበብ ሓበሬታኻ ምምዕርራይ ንብራንድኻ ዘንጸባርቕን ድሌታት በጻሕትኻ ዘማልእን ፍሉይ ናይ ኦንላይን ህላወ ንምፍጣር ኣገዳሲ እዩ። ንዌብሳይትካ ዝሕግዘካ ድማ ደረጃ ብደረጃ ኣብ ናይ ኮምፒተር፣ ታብሌት፣ ሞባይል ምስትኽኻል ድማ ሳሓቢ ይገብሮ።
Hostinger, WordPress and Elementor ነፍሲ ወከፎም ምህናጽን ምምሕዳርን ዌብሳይታት ተበጻሕን ውጺኢታውን ዝገብሮም ፍሉያት ብልጫታት ስለዘቕርቡ እዮም።
ንጀመርቲ፣ ንባጀት ዝምችእ ናይ ሓባር ኣአንጋዲ ብሉጽ ሚዛን ኣፈጻጽማን ተመጣጣኒ ዋጋን ክህብ እንከሎ፣ ተጠቀምቲ ወርድፕረስ ድማ ንፍጥነት ድሕነትን ምቅሉል ኣጠቓቕማን ዝተመቻቸወ ይገብሮ። ሆስቲንገር 24 ሳዓታት ናይ ክኢላታት ደገፍ ንዓወት ኦንላይን ዘድልዩ ደገፍ ይህቡ።
ኣሽሓት ቴማታትን ፕላጊናትን ስለዘለዎ ንፉሉይ ድሌታትካ ንምምላእ ዲዛይንን ተግባርን መርበብ ሓበሬታኻ ክትሰርዖ ትኽእል ኢኻ። SEO- Friendly; ኣብ ውሽጢ ዝተሃንጹ ብዙሓት SEO-Plugins ንመርበብ ሓበሬታኻ ንሞተር ምድላይ ይሕግዙኻ።
ኤለመንቶር ነዎርድፕረስ ዝኸውን ሓያል ናይ ሰስሒብካ ብምቕማጥ ዝሰርሕ ኮይኑ ንዲዛይን ዌብሳይት ቀሊል ይገብሮ። ናይ ዝኾነ ኮዲንግ ትምርቲ ኣየድልዮን። ዝኾነ ሕቶ ወይ ጸገም ተጋጢሙካ መሰጅ ሰዲድካ ብቀሊል ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል።
እቲ ወጻኢታት ኣብ ከም ባዓል ዶመይን፣ ሆስቲንግ፣ዲዛይንን ካሎኦት ዝለዓለ ኣገልግሎት ዛመስሉ ሮቓሒታት ይሙርኮስ። መሰረታዊ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዓመት
Join 356 email subscribers who get exclusive discounts and content via email. fill in your info, confirm your email and you’ll get your first email immediately!