4,6 ገምጋም ካብ 33 ሰባት

ከመይ ጌርካ ዎርድፕረስ 
 (wordpress) ተጠቒምካ 
 ዌብሳይት ትሰርሕ

ከመይ ጌርካ ዎርድፕረስ ተጠቒምካ ፕሮፈሽናል ዝኾነ ዌብሳይት ብምስራሕ ትካልካ ተዕብን፣ ወይ ድማ ኣብ ትርፊ ግዜኻ ብኣድማዒ መንገዲ ብኦንላይን ገንዘብ ከም እትረክብን ተማሃር። 

Filmonpro logo

ዌብ ዲዛይን

ጎግል ኣድሰንስ

ዩቲብ (SEO)

ዌብ ሆስቲንግ

ከመይ ጌርካ ዌብሳይት ትሰርሕ?

ናይ ባዕልኻ ዌብሳይት ምህናጽ ካብቲ እትሓስቦ ንላዕሊ ዝቐለለ እዩ። ምስ ናይ ሎሚ መሳርሒታት፣ ናይ ዝተፈላለየ ዲግሪ ወይ ኮዲንግ ክእለት ኣየድልየካን’ዩ  ክትሰርሖ ሓሲብካ ዘለኻን ንእሽተይ ፈጠራን ጥራይ’ዩ ዘድልየካ። ከም ዎርድፕረስ፣ ዊክስን ሾፒፋይ ዝኣመሰሉ ሶፍትዌር ተጠቒምካ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ጥራይ ፕሮፈሽናል ዝኾኑ ዌብሳይታት ንምምሃዝ ቀሊል ይገብሮ። ዌብሳይት ንግድኻ ንምዕባይ ስራሕካ ምስ ዓለም ንምልላይ ይሕግዘካ። እቲ ዝበለጸ ኽፋል ዌብሳይት ምውናንካ? ስራሕካ ምስ ዓለም ብዥቐልጠፈ ተፋልጥ! ብዝቐለለ ኣታዊ ክትገብር፡ውን ትኽእል። ሎሚ ቀዳመይ  ስጉምቲ ውሰድ!

ዌብ ሆስቲንግ

ከመይ ጌርና ዌብ ሆስቲንግ ንመርጽ?

ምምራጽ ዌብ ሆስቲንግ ኣብ ኣቀራርባን ኣተኣናግዳን ከሙኡ ውን ድሕነት ናይ ዌብሳይትካ ዝውስን’ዩ።    ከምኡ ውን ብዘይገለ ጸገም ከም ዝጽዕን፣ ከምኡ ውን ንበጻሕቲ ኩሉ ግዜ ተበጻሒ ኮይኑ ከም ዝቕጽል የረጋግጽ። ይኹን እምበር ቅኑዕ ዊብ ሆስቲንግ ምምራጽ ኣብ ድሌትካን ባጀትካን ከምኡ ውን ዓይነት ዌብሳይትካ ይሙርኮስ።

ከመይ ጌርና ዶመይን ኔም ንመርጽ?

ጽቡቕ ናይ ዶመይን ስም ሓጺርን ቀሊልን ንኽትዝክሮ ቀሊልን ከኸውን ኣለዎ። እንተተኻኢሉ ኣገደሲ መፍትሒ ዝኾኑ ቃላት ተጠቐም። ነቲ ደሊኻዮ ዘለኻ ብራንድ ቀዳምነት ሃብ። ንኣብነት (.com .net  .org) ዝብል መቀጸልታ ምረጽ እቲ እትመርጾ ስም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝኽዕነ ማሕበርዊ መራኸቢታት ፍሉይን ቅኑዕን ሙኻኑ ኣረጋግጽ።

ከመይ ጌርና ዌብሳይት ባዕልና ንሰርሕ?

ዌብሳይት ንምህናጽ እዞም ዝዕቡ የድልዩኻ፣ 1,Domain Name- ፍሉይ ናይ መርበብ ሓበሬታ ኣድርሻ (ንኣብነት filmonpro.com) 2, Web Hosting- ከም Bluehosting,  ወይ Hostinger ዝኣመሰለ ናይ ህስቲንግ ዘቕርቡልካ ምረጽ። 3,Website Builder- ወይ CMS- ዎኦርድፕረስ፣ ዊክስ፣ ሾፒፋይ ዝኣመሰሉ ተጠቐም።

ከመይ ጌርካ ዌብሳይትካ ንኹሉ ዝምችእ ትገብሮ?

መርበብ ሓበሬታኻ ምምዕርራይ ንብራንድኻ ዘንጸባርቕን ድሌታት በጻሕትኻ ዘማልእን ፍሉይ ናይ ኦንላይን ህላወ ንምፍጣር ኣገዳሲ እዩ። ንዌብሳይትካ ዝሕግዘካ ድማ ደረጃ ብደረጃ ኣብ ናይ ኮምፒተር፣ ታብሌት፣ ሞባይል ምስትኽኻል ድማ ሳሓቢ ይገብሮ።

ስእሊ ኮምፒተር

ናትና ሕሩያት ሶፍትዌር

Hostinger, WordPress and Elementor ነፍሲ ወከፎም ምህናጽን ምምሕዳርን ዌብሳይታት ተበጻሕን ውጺኢታውን ዝገብሮም ፍሉያት ብልጫታት ስለዘቕርቡ እዮም።

Filmon Hostinger

Hostinger

ንጀመርቲ፣ ንባጀት ዝምችእ ናይ ሓባር ኣአንጋዲ ብሉጽ ሚዛን ኣፈጻጽማን ተመጣጣኒ ዋጋን ክህብ እንከሎ፣ ተጠቀምቲ ወርድፕረስ ድማ ንፍጥነት ድሕነትን ምቅሉል ኣጠቓቕማን ዝተመቻቸወ ይገብሮ።  ሆስቲንገር 24 ሳዓታት ናይ ክኢላታት ደገፍ ንዓወት ኦንላይን ዘድልዩ ደገፍ ይህቡ።

filmon elementor

WordPress

ኣሽሓት ቴማታትን ፕላጊናትን ስለዘለዎ ንፉሉይ ድሌታትካ ንምምላእ ዲዛይንን ተግባርን መርበብ ሓበሬታኻ ክትሰርዖ ትኽእል ኢኻ። SEO- Friendly; ኣብ ውሽጢ ዝተሃንጹ  ብዙሓት SEO-Plugins ንመርበብ ሓበሬታኻ ንሞተር ምድላይ ይሕግዙኻ።

Filmon Elementor pro

Elementor

ኤለመንቶር ነዎርድፕረስ ዝኸውን ሓያል ናይ ሰስሒብካ ብምቕማጥ ዝሰርሕ ኮይኑ ንዲዛይን ዌብሳይት ቀሊል ይገብሮ። ናይ ዝኾነ ኮዲንግ ትምርቲ ኣየድልዮን። ዝኾነ ሕቶ ወይ ጸገም ተጋጢሙካ መሰጅ ሰዲድካ ብቀሊል ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል።

ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት

  • ዊብሳይት ኣብ ኢንተርነት ህላውነትካ ከተረጋግጽን፣ ዓማዊል ክትስሕብ፣ ኣገልግሎትካ ወ ድማ ፍርያትካ ከተቕርብን 24/7 ሳዓታትብዘይ ዕረፍቲ ንግድኻ ከተዕብን ይሕግዘካ።
  • ኣይኮነንን! ከም ዎርድፕረስ፣ ዊክስን፣ ሾፒፋይን ዛመሰሉ መድረኻት፣ ሰስሒብካ እንዳኣውረድካ ዓቐን ናይቲ ዝደለኻዮ እንዳ ራኣኻ ብዝቐለለ መንገዲ ዲግሪ ወይ ኮዲንግ ከየጽናዕካ ዌብሳይት ክትፈጥር የኽእሉኻ።

እቲ ወጻኢታት ኣብ ከም ባዓል ዶመይን፣ ሆስቲንግ፣ዲዛይንን ካሎኦት ዝለዓለ ኣገልግሎት ዛመስሉ ሮቓሒታት ይሙርኮስ። መሰረታዊ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዓመት

  • ዌብ ሆስቲንግ ንፋይላት ዌብሳይትካ ዝዕቅብን ብኢንተርነት ክርከብ ከም ዝኽእል ዝገብርን ኣገልግሎት እዩ።
  • ነቲ ናትካ ብራንድ ወይ ትካል ዘንጸባርቕን ተዝካርን ተዛማድን ናይ ዶሜይን ስም ምረጽ። ንዝሓሸ ኣፍልጥ .com , .net ወይ .org ተጠቐም።
  • ዌብሳይት ከም ማእከላይ ኮይኑ ዝስርሕ፣ ቪድዮተትካ ከተካፍል፣ ብሎግ ክትፈጥር፣ ፍርያት ከተቕርብን ካብ ዩቱብ ወጻኢ ምስ ተዓዘብትኻ ከትራኸብ የኽእለካ።