መዓልታዊ ካብ መላእ ዓለም ኣስታት 1 ቢልዮን ሳዓታት ዝኸውን ኣብ ዩቱብ ማሃሪን ኣዛናጋዕን ዝኾኑ ቪድዮ ይፍኖ። እዚ መድረኽ እዚ ዝረኽቦ ሰፊሕ ህቡብነት ኣብ ዝሓለፈ ዉሑድ ዓመታት ካብ ምዝንጋዕ ሓሊፉ ናብ ሓያል መሳርሒ ገንዘብ ንግዳውያንን ውልቃዊ ትካላትን ቀይርዎ ይርከብ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዲጂታላዊ መልክዕ ዩቱብ ካብ ቪድዮ ምክፋል መድረኽ ንላዕሊ፡ዩ ብራንድኻ ንምህናጽ ንዓለም ለኻዊ ተዓዘብቲ ንምብጻሕን ኣታዊ ንምፍራይን ሓያል መሳርሒ፡ዩ።

ንምንታይ ዩቱብ?
- ዓለም ለኻዊ ምብጻሕ፣ ኣብ መላእ ዓለም ብሚልዮናት ዝቁጸሩ በጻሕቲ ክፉት ስለዝኾነ።
- ምትእስሳር፣ ትህዝቶ ቪድዮ ምስ ተዓዘብትካ ድንዱል ርክብ ይፈጥር።
- ገንዘብ ትገብር፣ ብመዋዓውዒታትን፣ ስፖንሰርሺፕ፣ ኣፊልየት ማርኬት ሸቐታትን ኣታዊ ትገብር።
ከመይ ጌረ ዩቱብ ይኸፍት?
ዩቱብ ንምጅማር ንቪድዮታትካ ትጽዕነሉ ቻነል ክትከፍት ግድን ይኸውን፣ ይኹን እምበር ቪድዮ ስለ ዝጸዓንካ ጥራይ ኣታዊ ክትገብር ማለት ግን ኣይኮነን። ኣካውንት ክትከፍት ከለኻ ኣብ ሰቲንግ ሞኒታይዘሽን ምኽፋትካ ኣረጋግጽ። ብድሕሪኡ ብዩቱብ ገንዘብ ከተእትወሉ ትኽእል መንገዲ እዚ እዩ። ከምዚ ምስ ገበርካ እንታይ ዓይነት መገዲ ጌርካ ገንዘብ ከተእቱ ከም ትኽእል ክትውስን ትኽእል ኢካ።
በጻሕትኻ ፍለጥ
ሚልዮናት ሳብስክራይብ ኣብ ዩቱብ እንተለካ ገንዘብ ክትገብር ከም ትኽእል ትፈልጥ’ዶ? እቲ ቐዳማይ ገንዘብ ትገብረሉ መንገዲ ዓማዊልካ ብጉቡእ ምርዳእን ጠለባቶም ምርዳእን ማለት’ዩ። ንነብስኻ ኣብነት ምውሳድ ይካኣል፣ ልክዕ ከምቲ ንስኻ ክትርእዮን ክትሰምዕን ትደሊ ኮይንካ ምውሳእ የድልየካ።
ሰማዕትኻ መን ሙኻኖም ጽቡቕ ጌርካ ምስ ፈለጥካዮም?

ቀጺልካ ክትገብሮ ዘለክ ዕላማ። እንታይ ዓይነት ትሕዝቶ ከም ዝግደሱንብልክዕ ካባኻ እንታይ ይጽበዩ ከምዘለዉ ኣጸቢቕካ ሕሰብ። ከሙኡ፡ውን በጻሕትኻ ከመይ ጌሮም ቪድዮኻ ይጥውቑ፣ ኮመንት ፣ሳብስክራይብ ክገብሩ ከም ዘለዎም ከተተባብዖም ከምዘለካ ክትግንዘብ ኣለካ።
በዚ መንገዲ ተኸቲልካ ከምዞም ዝስዕቡ ናይ ገንዘብ ምግባር ሜላታት ሃደ ተጠዊምካ ዕዉታት ቪድዮታት ክትሰርሕ ትኽእል።
ናይ ዩቱብ መሻርኽቲ ኩን
ናይ ዩቱብ ቻነል ምስ ከፈትካ ናይ YouTube Affiliate Program ተጸንቢርካ ብፉሉይ ገንዘብ ክትገብር ትኽእል መወዓውዒታት ወይ ዝተፈላለዩ እናሸጥካ ፣ ከም ናይ ፕሪየም ናይ ምዝገባ ክፍሊት ግበር፣ ናይ ምርኣይ ተኽእሎታትካ ይዓቢ ከምዘሎ ኣብ ግምት ኣእቱ።
መምርሒታት ዩቱብ ቻነል ኣኽብር
ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲ ናይ ምትሕብባር መደብ ምስ ተመዝገብካ ዩቱብ ቻነል ምኽባር ሙኻኑ ክምርምርዎ እዮም። ስለዚ ነቲ ናይ መድረኽ ናይ ገንዘብ ምእካብ ፖሊሳት ክትሰማማዕን ትሕዝቶካ ምስቲ ሕግታት ከም ዝኽተል ከተረጋግጽን ኣለካ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ዩቱብ ቪድዮ ኣብ እትሰቕለሉ እዋን።
ትሕዝቶኻ ብቐጻሊ ይግምገም፣ ዋላ ቻነልካ ዓብያ ቡዙሕ ገንዘብ ክትገብር ምስ ጀመርካ። ከም መሳርኽቲ ተቐባልነት ዲኻ ኣይረኸብካን ኩሉ ግዜ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ እዋናዊ ፖሊሲ ምፍራይ እቶት ብቀረባ ተኸታተል።
መሻርኽቲ ዩቱብ ዝምልከት ረቓሒታት
ኣብቲ መደብ ንምስታፍ ዕዉት ዩቱበር ክትከውን ኣለካ። እቲ ሓደ መዐቀኒ ንምጽምባር ኣብ ውስጢ 12 ወርሒ 4000 ናይ ተዓዘብቲ ሳዓኣታትን 1000 ሳብስክራይብን ምብጽሑ እዩ። እዚ መዐቀኒ ምስ በጻሕካ ወይ ምስ ሃለፍካዮ ጥራይ ኢካ ክትምዝገብ ትኽእል።
ኣድላዪ ረቓሒታት እተማልእ ዲኻ ፣ ብድሕሪኡ ኣብቲ መደብ ንምስታፍ መመልከቲ ከተቕርብ ትክእል ኢካ፣ ነዚ ድማ በዚ ዝስዕብ ክትገብሮ ትኽእል።
- ናይ ላዕለዋይ የማናይ ኩርናዕ ናይቲ ናይ ዩቱብ መእተዊ ገጽ ኪድ። ኣብቲ ናይ ኣካውንትኻ ምልክት ጠውቅ እሞ YouTube Studio ምረጽ.
- ኣብ ጸጋማይ ሸነኽ Channel ዝብል ጠውቕ። ብድሕሪኡ ‘Status and features‘ ዝብል ምረጽ።
- ኣብ ትሕቲ ‘Monetization’ ዝብል ናይ ጽሑፍ ሳጹን ‘Enable’ ዝብል ተውቅ።
- ንውዕላትን ቅጥዕታትን ናይ youtub Affiliate program ተሰማማዕ።
ኣድሰንስ ጻዓን
ክምቲ ኣካል ናይቲ መስርሕ መመልከቲ ምስ ፕሮፋይልካ ዝተኣሳሰር ናይ ኣድሰንስ ኣካውንት ከተቕውም ከድልየካ እዩ። በዚ መንገዲብናይ ዩቱብ ቪድዮታት ገንዘብ ክትረክብን ብጭቡጥ ክፍሊት ክትረክብ ከም እትኽእል ተረጋግጽ። ሓደ ኣካውንት ጥራይ ክትውንን ከም ትኽእል ኣስተውዕል። ቡዙሓት ቻነላት ምስ ሓንቲ ኣካውንት ከተታሓሕዞም ድማ ትኽእል።
ገምጋም
ከም መሻርኽቲ ዩቱብ ምስ ተመዝገብካ ናይ ኣድሰንስ ኣካውንት ምስ ፈተርካ ቻነልካ ንኽትግምገም ኣብ ሪጋ ክትጸንሕ እያ። ኣብዚ እዋን እዚ ክልቲኦም ኣውቶማቲክ ስርዓት ደቂሰባትን ቻነልካ ምትእስሳር ከምዘለዎ ከረጋግጹ ኣዮም።
ካብ መዋዓውዒ ዝመጽእ ኣታዊ
ኣብ ጎድኒ ትሕዝቶካ ዝመጽእ ዲስፕለይ ኦቨርላይ ወይ ቪድዮ ኣድስ ብምእታው ብዩቱብ ገንዘብ ክትገብር ትክእል ኢኻ። ነዚ ንምግባር ኣንተዋሃደ ዕድሜኻን 18 ዓመት ክኸውን ኣለዎወይ ካኣ ክፍሊትካ ክሕዝ ዝሰማማዕ ሕጋዊ ኣላዪ ክህልወካ ኣለዎ። ብተወሳኺ ትሕዝቶኻ ንመምሪሒታት ምሕዝነት መወዓውዒ ከምዘማልእ ኣረጋግጽ።
ኣብቅልነት ቻነል
እዚ ድማ ነቶም ወርሓዊ ተደጋሚ ክፍሊት ንዝገብሩ ኣባላት ቻነል ፍሉይ ረብሓታት ክትህብ የኽእለካ። ብዉሑዱ ዕድሜኻ 18 ክኸውን ልዕሊ 30 ሽሕ ሳብስክራይብ ክህልወካ ድማ ኣለዎ።
ሸቐጣት
ኣብ ናይ ዩቱብ ቻነልካ ወግዓዊ ምልክት ዘለዎም ሸቐጣት እና ኣርኣኹም ኣድነቕትኩም ኣቕሑት ምእንቲ ክርእዩልኩምን ክገዝኡን። ነዚ ኣማራጺ ውን እንተዋሓደ ዕድሜኻ 18 ዓመት ክኸውን ልዕሊ 10000 ሳብስክራይብ ክህልወካ ኣለዎ።
ሱፐር ቻትን ሱፐር ስቲከርን
ላይፍ ቪደዮ ኣብ ዝኣተኻሉ ተዓዘብትካ መልእኽቶም ኣብ ቻት ስትሪም ዝበሃል ንኸቕርቡ ካብ ዝኸፍሉ ደገፍቲ ገንዘብ ኣታዊ ግበር። ነዚ ንምግባር ድማ ብዉሑዱ 18 ዓመት ክኸውን ሱፐርቻት ኣብ ዝረኽብሉ ሃገር ክትነብር ካኣ ኣለካ።
ዩቱብ ፕሪምየም
ምስ ፕሪምየም እቶት፣ ቪድዮታትካ ምስ ዝዕዘቡ ናይ ዩቱብ ፕሪምየም ተኸታተልቲ ናይ ኣባልነት ክፍሊት ገለ ክፋል ትረጅብ።
ኣልጎሪዝም

እቲ ናይ ዩቱብ ኣልጎሪዝም ንተዓዘብቲ በቲ ናይ ምራኣይ ባህርያቶም (view behaviour) ናይ ሕሉፍ ምርኣይ ባህርያቶም (Engagement Patterns); ቅዲታትን ምርጫታቶምን ተሞርኪሱ ትሕዝቶታቱ ቀዳምነት ንምሃብ ይሰርሕ ቀንዲ ዕላማ ኣርጎሊዝም ኣብ ውልቃዊ ትሕዝቶ ናትካ ጠለባትን ርእይቶን ብምቕራብ ንተመኩሮ ተዓዘብቲ ንምዕጋብ እዩ።
ንተሳተፍቲ ብዝገብርዎ ምስውስቓስ (ላይክ፣ ኮመንት፣ ሼር) ንቕዲ ናይ ምራኣይ ግዜ፣ ክሳብ ክንደይ ንውሓት ናይቲ ቪድዮ ሪኢኻዮ፣ ሰባት እንታይ ዓይነት ኮመንት እዮም ዝሰዱ ሸር ምስ ተባህለ ኣቶም ዝተሰዶም ከመይ ረኺቦሞ